ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓደ ምትእኽኻብ ናይ ብሓባር ኮይኖም ንእቶም ናይ ስርሖምን መነባብርኦምን ኩነታት ንከመሓይሹ ዝጽዕሩ ኢዮም። እዚኣቶም ንዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ክፍልታት ኣለዉ (ሓደ ዝርዘር ኣብ እቶም ዝቕጽሉ ገጻት ክትረኽቡ ኢኹም) ። ሓደ ማሕበር ሰራሕተኛ ዝያዳ ኣባላት ምስ ዝህልዉዎ፣ ንሳቶም ንእቲ ጥቕሞም ብዝሓሸ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ይኽእሉ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ምስ ኣባላቶም ሓቢሮም ንዝሓሸ ደሞዝ፣ ንምኽባር ናይ ሰራሕተኛታት መሰላትን ንምምሕያሽ ናይ ስራሕ ኩነታትን ይቃለሱ። ሓደ ተኽእሎ ነዚ ንምርካብ ዘገልግሉ ናይ ደሞዝ ኮንትራታት ኢዮም፣ እንተደኣ ሓደ ማሕበር ሰራሕተኛ ብዙሓት ኣባላት ኣለዉዎ፣ ንሱ ብቑዕ ሓይሊ ኣለዎ፣ ምስ ወሃብቲ ስራሕ ንኣብነት ዝያዳ ደሞዝ ንእቲ ንስኹም ዘለኹምዎ ክፍሊ ስራሕ ንምርካብ ንክሰማምዑ።
ማሕበር ሰራሕተኛታት ካብ ሰልፍታትን መንግስትን ነጻ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ንሳቶም ፖለቲካዊ ጥቕምታት ይውክሉ። ኣባል ንምዃን ብነጻ ድልየት ዝፍጸም ኢዩ። ኣብ ሃገር ጀርመን ኣባልነት ኣብ ሓደ ማሕበር ሰራሕተኛ ብቅዋም ሃገር ዝተሓለወ ኢዩ። ስለዚ ንስኹም ኣብ ስራሕ ኮነ ኣብ ነጻ ጊዜኹም ብምኽንያት ኣባልነትኩም ጸገም ክበጽሓኩም ኣይፍቀድን ኢዩ። እቲ ናትኩም ኣባልነት ንእቲ ወሃብ ስራሕኩም ብፍጹም ኣየእትዎን ኢዩ።
ኣብ ሃገር ጀርመን እቶም ዓበይቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ሕብረት ማሕበር ሰራሕተኛታት (DGB) ዝተጠቕለሉ ኢዮም።እቶም ናታቶም ናይ መንእሰያት ማሕበራት ንእቲ ደገበ-ዩገንድ – ማሕበር መንእሰያት የቕውም።