Logo: DGB-Bildungswerk Thüringen e.V.
  • Bildungsangebote
    • Alle Bildungsangebote
    • Betriebliche Interessenvertretung
    • Bildungsfreistellung
    • Arbeits- und Sozialrichter*innen
    • Gesellschaftspolitik
  • Projekte
  • Themen
    • Aktiv im Betrieb
    • Arbeits- und Sozialrecht
    • Bildungsfreistellung
    • Gesellschaftspolitische Bildung
    • Moderation und Organisation
  • Publikationen
  • Über uns
    • Mitarbeiter*innen
    • Stellenausschreibungen
    • Kooperationen
    • Mitglieder
    • Leitbild
    • Geschichte
    • Qualitätsmanagement
  • Kontakt
  • Deutsch | ጀርመን
  • English | እንግሊዝ
  • Español | ስፓኒሽ
  • ትግርኛ
  • ქართული | ጆርጂኛ
  • دری | ዳሪኛ
  • عربي | ዓረብ
  • Русский | ሩስያኛ
  1. Start
  2. Projekte
  3. Faire Integration
  4. Ausbildung
  • Deutsch | ጀርመን
  • English | እንግሊዝ
  • Español | ስፓኒሽ
  • ትግርኛ
  • ქართული | ጆርጂኛ
  • دری | ዳሪኛ
  • عربي | ዓረብ
  • Русский | ሩስያኛ
  • ሓበሬታ ብዛዕባ...

    ሞያዊ ስልጠና ኣብ ጀርመን

    ዕላማ ሞያዊ ስልጠና

    ሞያዊ ስልጠና ኣብቲ እትስልጥንሉ ስራሕ ዘድልየኩም ሞያዊ ክእለት፡ ፍልጠትን ክእለትን ንምሃብ ዝዓለመ እዩ። ከም ሰራሕተኛ ጥራይ ክትሰርሑ ዘይኮነስ፡ ኣብ ስራሕኩም ብሓላፍነትን ብቑዕነትን ንክትዋስኡ ክትመሃሩ ይግባእ።

    ትልሚ ማዕቀፍ ሞያዊ ስልጠናን ውዕል ስልጠናን

    እቲ ናይ ስልጠና ማዕቀፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ ስራሕ ልምምድኩም ክትመሃሩዎ ዝግበኣኩም ትሕዝቶ ይገልጽ። ኣሰልጣኒኹም ምስዚ ማዕቀፍ ዝሰማማዕ መምርሒታት ክህበኩም መሰል ኣለዎ። ካብ ሞያዊ ስልጠናኩም ወጻኢ ዝኾነ ስራሕ ክትሰርሑ ግን ግዴታኩም ኣይኮነን።

    ናይ ስልጠና ውዕልኩም እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከጠቓልል ኣለዎ፤

    • እንታይ ክትመሃሩን ክንደይ ግዜ ክወስድን እዩ
    • ኣበይ ክትሰርሑ ኢኩም መን እዩ ኣሰልጣኒኩም
    • ናይ ስራሕ ሰዓታትኩም
    •  ደሞዝኩም
    • ንበዓላትን ምቁራጽ ስራሕን ዝምልከት ኣገደስቲ ጉዳያት
    • ንናይ ሓባር ስምምዕን ናይ ኩባንያ ስምምዓትን መወከሲ፣ ኣድላዪ እንተኾይኑ።

    ደሞዝ ኣብ እዋን ሞያዊ ስልጠና

    ካብ 2024 ንዝጅምሩ ናይ ስልጠና ኮርሳት፡ እቲ ብሕጊ ዝተሓተ ደሞዝ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ስልጠና ኣብ ወርሒ 649 ዩሮ ሓፈሻዊ እዩ። እቲ ትካል ናይ ሓባራዊ ስምምዕ(Tarifvertrag ) እንተሃልይዎ፡ ደሞዝኩም ብእኡ እዩ ዝውሰን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ካብኡ ንላዕሊ።

    በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ማንም ሰብ ናይ ሞያዊ ስልጠና ቦታ ስለ ዝረከበልኩም፡ ካባኩም ገንዘብ ክሓትት ኣይፍቀደሉን እዩ። እዚ ኣብ ጀርመን ክልኩል እዩ።

    ኣብ ልምምድ ተወሳኺ ሰዓት

    ከም እኩል ሰብ (18 ዓመትን ልዕሊኡን) ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታት ተወሳኺ ሰዓት ክትሰርሑ ይፍቀደልኩም እዩ። እዚ ዝፍቀድ ንዕላማ ትምህርቲ ስልጠናኩም ዘገልግል እንተኾይኑ ጥራይ እዩ። እቲ ተወሳኺ ሰዓታት ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰሙናት ክኽሓስ ኣለዎ። ኣሰልጣኒኩም ኩሉ ግዜ ድሉው ክኸውንን ክከታተለኩምን ኣለዎ።

    እቲ ጸብጻብ መጽሓፍ

    ኣብ እዋን ስልጠናኩም፡ ነቲ ዝተማሃርኩሞ እትምዝግብሉ መጽሓፍ ጸብጻብ ክትሕዙ ኣለኩም። ኣሰልጣኒኹም ክምርምሮን ክፈርሞን እዩ። መጽሓፍ ጸብጻብ ናይ ትምህርቲ ምዕባሌኩም መርትዖ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ዝተወሰነ ትሕዝቶ ከምዘይተማሃርኩም ዘረጋግጽ ሰነድ እውን እዩ። ብቐጻሊ ክትመልእዎ ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍ ጸብጻብ ምሕላው ኣካል ናይ ስራሕ ግዜኹም እዩ። ኣሰልጣኒኩም ኣብ ናጻ ግዜኩም ክትገብሮ ከገድደኩምኣይክእልን እዩ።

    ምቁራጽ ስልጠናን መንበሪ ፍቓድን

    ንሖትካ ምስ ልምምድ ሞያዊ ስልጥናኩም ዝተኣሳሰረ እንተኾይኑ፡ ልምምድኩም እንተ ኣቋሪጽኩም ኣብ ጸገም ከይትኣትዉ ክትጥንቀቑ ኣለኩም። ምቁራጽ ስልጠና ማለት ግን ብቕልጡፍ ካብ ጀርመን ክትወጹ ኣለኩም ማለት ኣይኮነን። ብዙሕ ግዜ ሓድሽ ጻንሖት ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ፤ ንኣብነት ሓድሽ ናይ ስልጠና ቦታ ንምድላይ።

    ኣብ እዋን ስልጠና ምቁራጽ

    ድሕሪ ናይ ፈተነ ግዜ፡ “ብዘይተለምደ መንገዲ” ክትቋረጹ እትኽእሉ፡ ብኸቢድ ጌጋ ባህሪ ምስ ዝህልወኩም ጥራይ እዩ። ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ተቛሪጽኩም ኢኩም ኢልኩም እንተኣሚንኩም ይግባይ ናይ ምቕራብ መሰል ኣሎኩም። ኣድላዪ እንተኾይኑ ምኽርን ሓገዝን ድለዩ፤ ንኣብነት ምስ ባይቶ ስራሕ፡ ምስ ወከልቲ መንእሰያትን ስልጠናን፡ ዝእመን መምህር ወይ ምስ ሓላፍነት ዝስከም ባይቶ ወይ ማሕበር።

    ምስ ናይ ስልጠና ትካልኩም ዝኾነ ሕቶ ወይ ጸገም ኣለኩም ዶ?

    ንዓኻትኩም ኣብዚ ኣለና! ነጻን ምስጢራዊን እዩ።

    ምስ ናይ ስልጠና ትካልኩም ዝኾነ ሕቶ ወይ ጸገም ኣለኩም ዶ?
    ንዓኻትኩም ኣብዚ ኣለና!
    ነጻን ምስጢራዊን እዩ።
    Zwölf Fragen zum Beginn der Ausbildung
    www.jugend.dgb.de
    Ausbildung
    Häufige Fragen und Antworten
    www.faire-integration.de
    Arbeits- und Sozialrecht

    Berufsausbildung in Deutschland

    Titelblatt "Berufsausbildung in Deutschland"
    ምስክንን ዘይተረኽበ ዓይነት ትግርኛ የለን።
    Wir freuen uns, dich in Deutschland begrüßen zu dürfen. Damit du dich schneller in der Schule und im Arbeitsleben zurechtfindest, haben wir dir die wichtigsten Informationen zusammengestellt.

    ዳውንሎድ

    Deutschጀርመን English/እንግሊዝ Русский/ሩስያኛ Український/ዩክሬንኛ عربي/ዓረብ فارسی/ፐርሲያን
    ተለጣፈ ኣብ: Deutscher Gewerkschaftsbund | Berlin | 2022
    Arbeits- und Sozialrecht

    Kompass: Ausbildung 2023/24

    ምስክንን ዘይተረኽበ ዓይነት ትግርኛ የለን።
    Deine Rechte im Betrieb und in der Berufsschule

    ዳውንሎድ

    Deutschጀርመን English/እንግሊዝ Русский/ሩስያኛ Український/ዩክሬንኛ
    ተለጣፈ ኣብ: Deutscher Gewerkschaftsbund | Berlin | 2023
    Arbeits- und Sozialrecht

    Informationen zur Ausbildung in Deutschland

    ምስክንን ዘይተረኽበ ዓይነት ትግርኛ የለን።
    Flyer mit den wichtigsten Informationen für Drittstaatsangehörige die zur Ausbildung nach Deutschland gekommen sind

    ዳውንሎድ

    Deutschጀርመን English/እንግሊዝ
    Erfurt | 2024

    Zentrale Rufnummer:0361 - 21 727 - 0
    Zentrale E-Mail:info@dgb-bwt.de
    • Impressum
    • Datenschutz
    • Newsletter