Logo: DGB-Bildungswerk Thüringen e.V.
  • Bildungsangebote
    • Alle Bildungsangebote
    • Betriebliche Interessenvertretung
    • Bildungsfreistellung
    • Arbeits- und Sozialrichter*innen
    • Gesellschaftspolitik
  • Projekte
  • Themen
    • Aktiv im Betrieb
    • Arbeits- und Sozialrecht
    • Bildungsfreistellung
    • Gesellschaftspolitische Bildung
    • Moderation und Organisation
  • Publikationen
  • Über uns
    • Mitarbeiter*innen
    • Stellenausschreibungen
    • Kooperationen
    • Mitglieder
    • Leitbild
    • Geschichte
    • Qualitätsmanagement
  • Kontakt
  • Deutsch | ጀርመን
  • عربي | ዓረብ
  • فارسی | ፐርሲያን
  • Tiếng Việt | ቬትናሜኛ
  • ትግርኛ
  • Український | ዩክሬንኛ
  • Türkçe | ቱርክኛ
  • Polski | ፖሊሽ
  • Română | ሮማንያን
  • Български | ቡልጋሪኛ
  • English | እንግሊዝ
  1. Start
  2. Themen
  3. Was sind eigentlich Gewerkschaften?
  4. Mitglied werden
  • Deutsch | ጀርመን
  • عربي | ዓረብ
  • فارسی | ፐርሲያን
  • Tiếng Việt | ቬትናሜኛ
  • ትግርኛ
  • Український | ዩክሬንኛ
  • Türkçe | ቱርክኛ
  • Polski | ፖሊሽ
  • Română | ሮማንያን
  • Български | ቡልጋሪኛ
  • English | እንግሊዝ
  • ሕጂ ኣባል ኩን!

    Logo der GEW

    እቶም ኣብ ትሕቲ ሕብረት ማሕበር ሰራሕተኛታት ጀርመን (DGB) ዝርከቡ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ንዝተፈላለዩ ዓይነት ስራሕ ዝምልከቱ ኢዮም። ንስኻ ኣበየናይ ጨንፈር ስራሕ ትሰርሕ ከምምህላውካ፣ ሓደ ካብ እዞም ስዒቦም ዘለዉ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ንዓኻ ዝምልከተካ ኢዩ፣

    ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት መግቢ – መስተ – ቤት መግብታትን (ኤንገገ – NGG) ንኣብነት ንዓኹም ዝምልከት ኢዩ፣ እንተደኣ ንስኹም ንኣብነት ኣብ ቤት መግቢ፣ ኣብ ትካል ሆቴል ወይ ኣብ ትካል ምፍራይ መግብታት ትሰርሕ ኮይንካ።

    Image for NGG

    ቨር.ዲ (ver.di)“ሕቡር ማሕበር ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ኣገልግሎት“. ምስ እዚ ብተወሳኺ ብዙሓት ካልኦት ክፍልታት ስራሕ ኣለዉ፣ ንግዲ፣ ፖስታን ቀረብን፣ ጥዕና፣ ወይ ከኣ ናይ ሓለዋን ድሕንነትን ትካላት።

    Image for ver.di

    እቲ „ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ህንጻ-ሕርሻ – ከባቢ (IG BAU) “ ብዘየካ ንካልእ፣ ንሰራሕተኛታት ኣብ ትካል ህንጻ፣ ትካል ምጽራይ ህንጻታትን ሕርሻን ደገፋቱ ይህቦም።

    Image for IG BAU

    ንስኻ ኣብ ኢንዱስትሪ መካይን፣ ኣብ ኢንጂነሪን መካይን፣ ኣብ ክፍልታት ኤልክትሪክ፣ ሓጺን ወይ ዕንጨይቲ ወይ ኢንዱስትሪ ጨርቃ ጨርቂ ዲኻ ትሰርሕ? ከምዚ እንተኾይኑ እቲ „ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓጺን“ (IGM) እቲ ናትካ ማሕበር ሰራሕተኛ ኢዩ።

    Image for IGM

    እቲ „ማሕበር ሰራሕተኛታት ትምህርትን ስነ-ፍልጠትን“ (GEW) ን ኣብ ትካላት ትምህርቲ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ይቃለሰሎም፣- ምስ እዚ ዝቑጸሩ መዋዕለ ሕጻናት፣ ቤት ትምህርትታትን ዩኒቨርሲታትን እውን ኢዮም።

    Image for GEW

    ሓደ ኣብ ትካል መንገዲ ባቡር ዝሰርሕ ሰብ፣ ከም መራሒ ባቡር ይኹን ከም ኣገልጋሊ ወይ መካኒክ፣ እቲ „ማሕበረ ሰራሕተኛታት ምድሪ ባቡርን ትራፊክን“ (EVG) እቲ ንዕኡ ብልክዕ ዝምልከቶ ኢዩ።

    Image for EVG

    እቲ „ናይ ፖሊስ ማሕበር ሰራሕተኛታት“ ንጉዳያት ሰራሕተኛታት ናይ ዞባን ናይ ፈደራልስ ፖሊስን ከምኡ ከኣ ንሰራሕተኛታት ጉምሩክ ማለት ብዘየካ ንፖሊስ ንኣብነት ንናይ ምምሕዳር ወይ ናይ ኢንተርነት ሰራሕተኛታትን ይከታተል።

    Image for GdP
    Zentrale Rufnummer:0361 - 21 727 - 0
    Zentrale E-Mail:info@dgb-bwt.de
    • Impressum
    • Datenschutz
    • Newsletter