

-
ክቡራት መሳርሕትና
መስራቲ ኣማዞን ጀፍ ቤዞስ ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሓሙሽተ ሃብታማት ሰባት ምዃኑ ትፈልጥዶ? ሃብቱ
ልዕሊ 200 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሖ እዩ ዝግመት። እዚ ዘደንቕ ሃብቲ እዚ ብዘይ ኣስተዋፃኦ ሰራሕተኛታት ኣይምተበፅሐን። ዋላ ጥዕናኦም ብዝጎድእ ኩነታት እንዳሰርሑ። ኣብ ክንዲ እቲ ዘተረኽበ መክሰብ ንሰራሕተኛታት ብመልክዕ ደሞዝ ምኽፋል እቲ መኽሰብ ናብ ቦርድ ይውሕዝ ስለዚ ኣብ ኣማዞን ዘሎ ናይ ስራሕ ኵነታት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ሕማቕ እዩ። እዚ ዘይፍትሓዊ እዩ!
እዚ እውን ብዛዕባ ገንዘብ ጥራይ ኣይኰነን። ሰራሕተኛታት ኣማዞን ብዛዕባ ናይ ስራሕ ሃታሃታን ጸቕጥን ይነግሩና። ንእሽተይ ጌጋ ስለዝፈፀምካ ሓላፊካ ኣዘራሪብካ ይፈልጥ ዶ? እዚ ጸቕጢ እዚ የሕምመካ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ እውን ጸገማት ኣሎ። ኣብ ትሓመሉ ግዜ ደሞዝካ ትክፈል ዶ? ሰለዝሓመምካ ካብ ስራሕ ክትስጎግ ምካንካ የፈራርሑካ ዶ? ብፍላይ ወጻእተኛታት መሳርሕቲ ዘጋጥሞም ጸገማት እውን ኣሎ። እኩል ክእለት ቋንቋ ጀርመን ዘይምህላውካ ኣማዞን ተጠቒሙ ድዩ? ኣድልዎ ኣጋጢሙካ ዶ ይፈልጥ? እቲ ኣስራሒ ብዛዕባ ዚ ወልሓንቲ መፍትሒ ኣይሃበካን?
ንሕና die Vereinte Dienstleistungsgewerkschaft (ver.di), die DGB-Projekte Faire Integration“ ን „Faire Mobilität“ ኣብ ኣማዞን ዘለዉ ሰራሕተኛታት መሰላቶም ንክክበሩ ንሕግዞም። ብዛዕባ ናይ ስራሕ ዝኾነ ሕቶታት/ጸገማት ኣለኩም ዶ? ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ክትከውን ድሉው ዲካ? ኣብ ኣማዞን ዝሓሸ ናይ ስራሕ ኵነታት ንምርካብ ብሓባር ክትቃለስ ድሉው ዲኻ? ስለዚ ምሳና ተራኸቡ! ምስ መሳርሕትኻ ኴንካ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ኵነታትካ ገለ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ ። ኣብዚ መዳይ እዚ ክንሕግዘኩም ኢና!


